ቊጠባዊ ትሕዝቶኹም ከም ተመሃሮ መጠን

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ነቶም ዜጋታት ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ወይ ውን ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ስዊዘርላን ዝኾኑ ሰባት፡ ነጻ እዩ። እቶም ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዘለዎም ሰብ ውን ናይ መመልከቲ ይኹን ናይ ትምህርቲ ክፍሊት፡ ኣይከፍሉን እዮም። ብደረጃ ዶክተረይት ዝወሃብ ትምህርቲ ውን፡ ነጻ እዩ። ከም ተመሃሮ መጠን ግን፡ ንመግቢ፡ ክራይ-ገዛ ከምኡ ውን መጽሓፍቲ ንምግዛእ ዝኸውን ገንዘብ ከድልየኩም እዩ። እቲ ዝውቱር ዝኾነ ካብ ገንዘባዊ ስክፍታ ዘናግፍ መንገዲ፡ ካብ በዓል-መዚ ትምህርታዊ ሓገዝ (Centrala studiestödsnämnden, CSN)፡ ንተመሃሮ ዝወሃብ ድጋፍ (studiestöd)ምምልካት እዩ። እቲ ንተመሃሮ ዝወሃብ ድጋፍ፡ ዘይምለስ ሓገዝን ከምኡ ውን፡ ከም ቃሕታኻ፡ ተለቂሕካ ክትወስዶ እትኽእል ገንዘብን ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ልቓሕ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእኩም ክትከፍልዎ እትጅምሩ ልቓሕ እዩ።       

ትምህርታዊ ድጋፍ ናይ ምርካብ መሰልኩም፡ ኣብ ባንኪ ብዘለኩም ገንዘብ ወይ ብኣታዊ ስድራ-ቤትኩም ኣይጽሎን እዩ። እንዳተመሃርኩም ድጋፍ ይወሃበኩም ምስ ዝህሉ፡ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ክተእትውዎ ዝፍቐደኩም ኣታዊ ግን ደረት ኣለዎ እዩ። ነቲ ድጋፍ ክወሃበኩም ክተውሕስዎ ዝግበኣኩም ነገር ኣይሃሉ ደኣ`ምበር፡ እቲ ድጋፍ ክውሕዝ ምእንቲ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክፍላ ትምህርቲ ክትወስድዎ ዝግበኣኩም ውሱን ነጥቢታት ዝሓቆፈ ኮርሳት ወይ ፕሮግራም ግን፡ ክህልወኩም ኣለዎ። ሽወደናውያን ዜጋታት ንዘይኮኑ ሰባት፡ ፍልይ ዝበለ ነዚ ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት፡ ብዝርዝር ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ csn.se ኣቲኹም ኣንብቡ።

ድጋፍ ማህደረ ትምህርቲ

ድጋፍ ማህደረ-ትምህርቲ ንተመሃሮ ዝወሃብ ሓገዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓገዝ ካብ ወፈያታት ወይ ውን ካብ ፍሉይ ልግሲ ዝመንጨወ ይኸውን።

ድጋፍ ማህደረ-ትምህርቲ ብኸመይ ይርከብ?

ድጋፍ ማህደረ-ትምህርቲ ንኽወሃበኩም፡ ነቲ ለጋሲ-ኣካል ተወኪስኩም ከተመልክቱ ኣለኩም። እቲ ለጋሲ-ኣካል፡ ላዕለዋይ ማእከል ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲ፡ ማሕበር፡ ትካል ረድኤት፡ ባንኪ፡ ቤት-ጽሕፈት ጠበቓ ወይ ውን ግለ-ሰብ ክኸውን ይኽእል። ንድጋፍ ማህደረ ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት፡ ማእከላት ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ሰበኻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ምምሕዳራ ከተማን መርሕነት ምምሕዳር ወረዳን፡ ኣለኩም። ኣብ ኣብያተ-ንባብ ንድጋፋ ማህደረ-ትምህርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ መጽሓፍቲ ኣለኩም። 

ገለ ዓይነታት ድጋፍ ማህደረ-ትምህርቲ ኩሉ ሰብ ከመልክተሎም ዝኽእሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ገለ ኸኣ፡ ንፍሉይ ቅጥዒታት ዘማልኡ ሰባት ጥራይ፡ ዝኣመቱ እዮም። 

ኣብ ሽወደን፡ እቶም ናይ ምሉእ ክፍላ-ትምህርቲ ወጻኢታት (terminsavgifter) ክኸፍሉ ዝግደዱ ተመሃሮ፡ ካብ ትካል ሽወደን (Svenska institutet)ከምኡ ውን ዩኒቨርሲቲታትን ማእከልት ላዕለዋይ ትምህርትን ሓገዝ ማህደረ-ትምህርቲ፡ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዝምልከት ዝርዝር፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ www.studyinsweden.se ኣለኩም።

እንዳተመሃርካ ምስራሕ

መብዛሕታኡ ግዜ፡ ናይ ምሉእ-ሰዓታት ትምህርቲ፡ ካብ ምሉእ-ሰዓታት ስራሕ (40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን) ዝሓቶ ግዜ ዘይፍለ ግዜ’ዩ ይሓትት። ገለ ተመሃሮ ጎኒ-ጎኒ ትምህርቶም ናይ ፍርዊ-ሰዓት ስራሕ ይሰርሑ። ኣብቲ ኣብ ክፍሊ ዝካየድ ትምህርቲ ምስዘይትሳተፉ ግን፡ በይንኹም ወይ ውን ምስ መማህርትኹም ኮይንኩም፡ ግዙፍ ክፋል ግዜኹም ኣብ ምጽናዕ ከተሕልፍዎ ይሓተኩም።

መንበሪ-ተመሃሮ

ከም ተመሃሮ መጠን፡ ንመንበሪ-ገዛ ብዝምልከት ዘገላብጥ ምርጫታት ኣለኩም። እቲ እትመሃሩሉ ዩኒቨርሲቲ ወይ ውን ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ኣብቲ እትነብሩሉ ከባቢ ወይ ኣብ ጥቕኡ ምስ ዝርከብ፡ ገዛ እንዳተቐመጥኩም ክትመሃሩ ትኽእሉ። እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ተመሃራይ ገዛ ወይ ውን ኣብ ኮረድዮ ክትካረዩ ትኽእሉ። ኣብ ኮረድዮ ምስ እትካረዩ፡ ናትኩም ክፍሊ ሃልይኩም፡ ክሽነ ምስ ካልኦት ብሓባር ትጥቀሙ። ዝካረ ናይ ተመሃራይ ገዛ ናይ ምርካብ ዕድል ካብ ከተማ ናብ ከተማ ይፈላለ እዩ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይተን ዝምልከተን ዩኒቨርሲቲትን ማእከላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣለኩም። ንኣባይቲ-ተመሃሮ ብዝምልከት ካብ ማሕበር-ተመሃሮ (studentkår)ከምኡ ውን ናይ ግሊ ትካላት ኣባይቲ ውን ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ እትመሃረሉ እዋን፡ እትነብረሉ ገዛ ምርካብ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ብፍላይ ኣብ ዓቢ ከተማ ኣቲኹም ክትመሃሩ ምስ እትውስኑ፡ ገዛ ንምውሓስ ኣቐዲምኩም ሃሰው ክትብሉ ኣለኩም። መወከሲ ሓበሬታ ናይ ኩለን እተን ኣብ ሽወድን ዝርከባ ዩኒቨርሲታትን ማእከላት ላዕለዋይ ትምህርቲን ከምኡ ውን ንኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ Studera.nu ኣለኩም።

ህይወት ተመሃሮ

ኣብ መብዛሕትአን ማእከላት ትምህርቲ ዘለወን ከተማታት፡ ጎኒ-ጎኒ ትምህርቲ ብዙሕ ንጥፈታት ዘዳልዋ፡ ብዙሓት ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ትሕዝቶ ናይቲ ንጥፈታት፡ ባህላዊ፡ ምዝንጋዓዊ፡ ጉዳያት ተመሃሮ ዝድህስስ ወይ ውን ስፖርታዊ፡ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነዚ ንጥፈታት ዘዳሉ ኣካል፡ ማሕበር-ተመሃሮ እዩ። ማሕበር ተመሃሮ፡ ንረብሓታት ተመሃሮ ከጎልብት ዝጽዕር፡ ነጻ ማሕበር እዩ። ኣባል ናይዚ ማሕበር ምዃን ወለንታዊ እዩ።

ድጋፍ ኣብ እዋን ትምህርቲ

መብዛሕትአን ዩኒቨርሲቲታትን ማእከላት ላዕለዋይ ትምህርትን፡ ኣብ እትመሃሩሉ እዋን ገለ ድጋፍ ይበርክታልኩም እየን። ንኣብነት፡ ናይ ምምሃር ሜላኹም ንምምዕባል፡ ኣካደምያዊ ጽሑፍ ብኸመይ ተጽሕፍ ከምኡ ውን ኣብ ቅድሚ ሰብ ወጺእካ ናይ ምዝራብ ዓቕሚ ከተጥርዩ፡ ክሕግዛኹም ይኽእላ። እዚ ድጋፋት`ዚ፡ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ትመሃሩ ኣለኹም ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ብነጻ ዝወሃብ ድጋፍ እዩ። ንኹሉ ተመሃራይ፡ ናብዚ መኣዲ ብደሓን ምጻእ ንብል!

ካብ ሽወደን ወጻኢ ምምሃር

መብዛሕትአን ዩኒቨርሲታት ሽወደን፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ኬድካ ንእትመሃሮም ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝምልከት፡ ምስ ምስ ናይ ደገ ዩኒቨርሲታት ዝኣተውኦ ውዕል ኣለወን። እቲ ብመሰረት ናይዚ ውዕል ኣብ ካልእ ሃገር ኬድኩም እትመሃርዎ ግዜ፡ ኣካል ናይቲ ናይ ሽወደን ትምህርታዊ ፕሮግራምኩም እዩ ዝቊጸር። እቲ ኣብኡ እትእክብዎ ነጥበ-ትምህርቲ ውን፡ ምስቲ ናይ ሽወደን ይቊጸረልኩም። 

ኣካል ናይ ምልውዋጥ ዘካተተ መደብ ትምህርቲ (utbytesprogram) ክትኮኑ መታን፡ ኣብ ዝኾነ ዩኒቨርስቲ ወይ ውን ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ናይ ሽወደን ንኽትመሃሩ፡ ቦታ ዝረኸብኩም ክትኮኑ ኣለኩም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ሽወደን ዝተወሰነ ኮርሳት ድሕሪ ምጥንቓቕኩም ኢኹም፡ ናብታ ካብ ሽወደን ወጻኢ እትርከብ ሃገር፡ ንኽትመሃሩ እትኸዱ። ነቲ ናይ ወጽኢ-ሃገር ትምህርቲኹም ባዕልኹም ውን ከተማእክልዎን ከተመሓድርዎን ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚ ምስ እትመርጹ፡ ነጻ ተንቀሳቐስቲ ተማሃሮ (free-mover student) ትበሃሉ።

ካብ ሽወደን ወጻኢ ክትመሃሩ ምስ እትመርጹ፡ ድጋፍ-ተመሃሮን ልቓሕን ይግበኣኩም እዩ። ድጋፍ ማህደረ-ትምህርቲ ንኽወሃበኩም ውን፡ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንኣወሃሃዲ ኣህጉራዊ ትምህርታዊ ጉዳያት (internationella samordnaren) ናይታ እትመሃሩላ ዩኒቨርሲቲ፡ ተወከስዎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.studera.nu ውን፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንምምሃር ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣለኩም።

መደብ ማህደረ ትምህርቲ እራስሙስ ፕሉስ (Erasmus+)

ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ ተመሃሮ ምልውዋጥ ዝካየደሉ ፕሮግራም ትምህርቲ፡ እቲ ናይ ኣውሮጳዊ ሕብረት መደብ ትምህርቲ ዝኾነ፡ ብእራስሙስ ፕሉስ ዝፍለጥ ፕሮግራም እዩ። እራስሙስ ፕሉስ ኣብ ካልእ ሃገር ኬድካ ካብ 3 ክሳብ 13 ኣዋርሕ ክትመሃር የኽእለካ። ከም ተመሃራይ ፕሮግራም እራስሙስ ፕሉስ መጠን፡ ኣብ ናይ ቀዳማይ፡ ካልኣይ ዲግሪ ደረጃታትን ዶክትረይትን ክትመሃሩ ትኽእሉ። ብዛዕባ ፖርግራም ብእራስሙስ ፕሉስ ኣብ www.studera.nu ኣቲኹም፡ ከተንብቡ ትኽእሉ።

Page last updated 2021-11-16