ኮርሳትንናይትምህርቲፕሮግራማትን

ኩሉ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ኮርሳት ዝሓቆፈ እዩ። ንጽል ኮርሳት ብምምሃር፡ ኣዋህሊልኩም ናይ ዲግሪ መዓርግ ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ውን ሓደ ምሉእ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ክትመርጹ ትኽእሉ። ፕሮግራም ምስ እትመርጹ ግን፡ ከም ኣካል ናይቲ ፕሮግራም ዝወሃብ ኮርሳት በታ ዩኒቨርሲቲ’ዩ ኣቐዲሙ ዝውሰን። ኩሉ ምሉእ ፕሮግራማት ትምህርቲ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዲግሪ መዓርዕ ዘውህብ እዩ። ኮርሳት ምምሃር ምስ እትመርጹ ግን፡ ባዕልኹም ኢኹም ነቲ ኮርሳት ናይ ዲግሪ መዓርግ ብዘውህብ መልክዕ ክዛዘም እትገብሩ። ኣብ ሓደ ፕሮግራም ንምምሃር ቦታ ምስ ዝወሃበኩም፡ ኣብ ኩለን እተን ኣካል ናይቲ ፕሮግራም ዝኾና ኮርሳት፡ ቦታ ተሓዚኡልኩም ኣሎ ማለት እዩ። ንጽል ኮርሳት ትመሃሩ ምስ እትህልዉ ግን፡ ሓደ ኮርስ ዛዚምኩም ናብ ዝቕጽል ኮርስ ንምጽንባር፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኮርስ ምምልካት የድልየኩም።  

ምሉእ ሰዓታት፡ ፍርቂ ወይ ውን ብርሕቀት ተመሃሩ?

እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምሉእ-ሰዓታት ትምህርቲ ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኣብ ሰሙን ኣስታት 40 ሰዓታት ትመሃሩ ማለት እዩ። ገለ ዓይነታት ትምህርቲ፡ ካልእ ቅርጺ ዘለዎ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ምሉእ ሰዓታት ትምህርቲ፡ ብልሙድነቱ ካልኣይ ዝስራዕ፡ እቲ ናይ ፍርቂ-መዓልቲ (50 %) ትምህርቲ እዩ። ብርሕቀት ክትመሃሮ እትኽእል፡ ገለ ዓይነታት ትምህርቲ ውን ኣሎ እዩ። ናይ ርሕቀት-ትምህርቲ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ገዛ ወይ ውን ኣብ እትነብሩሉ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእከል-ትምህርቲ ኮይንኩም፡ ትምህርቲኹም ትከታተሉ ማለት እዩ። መብዛሕትአን ማእከላት ትምህርቲ፡ ኣማኸርቲ ትምህርትን ሞያን (studie- och yrkesvägledare)ኣለዉወን። እዞም ሰብ ሞያ፡ ንትምህርትን ሞያን ዝምልከት ምኽርን ድጋፍን ይህቡኹም። ገለ ብርሕቀት ዝወሰድ ትምህርቲ፡ ስሕት ኢልካ ኣብ ዩንቨርሲቲ ምርካብ ዝሓትት ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ኸኣ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምርካብ ዘይሓትት እዩ።    

ምስክርነት-ትምህርትን ስርዓተ ኣዋሃህባ ነጥብን፡ ኣብ ላዕለዋይ ማእከላት ትምህርቲ

ኩሉ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወሃብ ኮርሳት፡ ገለ ውሱን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ነጥቢ (högskolepoäng) ዘውህበኩም እዩ። ኣብ ሓደ ክፍላ-ትምህርቲ (termin) ምሉእ ሰዓታት ምስ እትመሃሩ 30 ነጥቢ ተዋህልሉ። ኣብ ዓመት ከኣ 60 ነጥቢ ተዋህልሉ ማለት እዩ። ኣብ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርግ (grundnivå) ዝወሃብ ፕሮግራማት 3 ዓመታት ትምህርቲ ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ 180 ነጥቢ ዝሓቆፈ እዩ። ብድሕሪ`ዚ ተወሳኺ 2 ዓመት ምስ እትመሃሩ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ማዓርግ ትምህርቲ (avancerad nivå)ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዚ ደረጃ`ዚ፡ ተወሳኺ 60 ወይ ውን 120 ነጥቢ ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ዛዛሚ ፈተና-መርመራ

ፈተና (መርመራ)ኮርስ ክዛዘም እንከሎ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብጽሑፍ ወይ ውን ኣፋዊ መልክዕ ክካየድ ይኽእል። እቲ መርመራ ብመልክዕ ዕዮ-ገዛ ውን ክወሃብ ይኽእል እዩ። ኣብ ገዛ ኾይንኩም ከኣ፡ ፈተናኹም ተሰላስሉ። ከም ተመሃሮ መጠን፡ ኣብ ገለ እዋናት፡ ብውልቂ ወይ ውን ብእኩብ ዝስራሕ ዕዮ ክወሃበኩም ወይ ውን ጽሑፋዊ መጽናዕቲ ከተቕርቡ ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ኮርሳት፡ ኣብ ኣብ ላባራቶሪ ኣቲኻ ዝስራሕ ዕዮታት ዘለዎ ውን ኣሎ እዩ። ብገለ ምኽንያት ፈተና ምስዝሓልፈኩም ወይ ውን ምስ እትተርፉ፡ ደጊምኩም ናይ ምምርማር መሰል ኣለኩም።

ምስክርነት-ትምህርቲ

ትምህርቲ ምስ ዛዘምኩም፡ በታ ዝተመሃርኩምላ ዩኒቨርሲቲ ወይ ውን ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝዳሎ፡ ምስክርነት-ትምህርቲ (examen)ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ። ስለስተ ዓይነታት መዓርግ ምስክርነት-ትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓፈሻዊ፡ ስነ-ጥበባዊ ከምኡ ውን ሞያዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ደረጃ ትምህርቲ፡ ክልተ ዓይነታት ትምህርታዊ መዓርግ ኣሎ:

  • ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ዘጠቓልል ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ዲፕሎም (högskoleexamen)
  • ሰለስተ ዓመታት ትምህርቲ ዘጠቓልል ናይ ቀዳማይ ዲግሪ መዓርግ (kandidatexamen)

ኣብ ናይ ካልኣይ ዲግሪ ደረጃ ትምህርቲ ክልተ ዓይነታት ትምህርታዊ መዓርግ ኣሎ:

  • ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ዘጠቓልል ናይ ማጂስተር መዓርግ (magisterexamen)
  • ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ዘጠቓልል ናይ ማስትረይት ወይ ናይ ካልኣይ ዲግሪ መዓርግ (masterexamen)

ሞያዊ ኣንፈት ዘለዎም ፖሮግራማት ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ-ዲፕሎም (yrkesexamen)የውህቡ። ገለ ኣብነታት ናይዞም ትምህርታት፡ ኣላዪ-ሕሙማት (sjuksköterska) ህንድስና ከምኡ ውን ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ዘጠቓለለ እዩ።  

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ዘድሊ ቅድመ-ኲነት ምምላእ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝኾነ ኮርስ ወይ ፕሮግራም ንምምሃር፡ እቲ ኮርስ ወይ ውን እቲ ፕሮግራም ዝሓቶ መባእታውን ተወሳኽን ነጥቢታት ከተማልኡ ኣለኩም። እንታይ ንምባል እዩ፡ ኣብቲ ኮርስ ንምስታፍ ዘብቅዓኩም ነጥብታት ዘማላእኩም ክትኮኑ ኣለኩም።

ክማላእ ዝግብኦ መባእታዊ ነጥቢ

መብዛሕትኡ ኮርሳትን ፕሮግራማትን፡ ገለ ውሱን ክማላእ ዝግብኦ ቅድመ-ኲነት ኣለዎ እዩ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደን ወይ ውን ኣብቲ ብወረዳታት ዝምእከል ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ንላዕለዋይ ደርጃ ትምህርቲ ዘዳሉ ትምህርቲ ዝዛዘምኩም ምስ እትኾኑ፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ዘድሊ መባእታዊ ቅድመ-ኲነት ኣማሊእኩም ኣለኹም ማለት እዩ። ኣብ ናይ ሽወደን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ወይ ውን ትምህርቲ ኣባጽሕ ድሕሪ ምምሃርኩም፡ ሞያዊ-ድፕሎማ ዝዓተርኩም ምስ እትኾኑ ከኣ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዘን ዝስዕባ ዓይነታት ትምህርቲ ግን መሕለፊ ነጥቢ ዘምጻእኩም፡ ክትኮኑ ኣለኩም፦ እተን ዓይነታት ትምህርቲ ከኣ፡ ቋንቋ ሽወደን ወይ ውን ንኻልእ ዝቋንቊኦም ሰባት ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን (Svenska som andraspråk) 2ን 3 ከምኡ ውን እንግሊዝኛ 6 እየን። ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ክትመሃሩ ብቑዓት ዝገብረኩም ኣብ ካልእ ሃገር ዝወዳእኩሞ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣለኩም ድዩ? ነቲ ናይ ቊጽሪ፡ ቋንቋ ሽወደን ከምኡ ውን እንግሊዘኛን ጠለባት ምስ እትመልኡዎ ኣብ ሽወደን ውን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ክትመሃሩ ብቑዓት ይገብረኩም እዩ።  

ተወሳኺ ነጥብታት

መብዛሕትኡ ትምህርቲታት፡ ብዜካ`ቲ መባእታዊ ነጥቢ፡ ፍሉይ ተወሳኺ ነጥብታት ከተማልኡ ውን ይሓተኩም እዩ። እዚ ማለት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወሃብ ኮርሳት ዝተመሃርኩም ክትኮኑ ይሓትት። እቲ ጠለብ፡ ተመኲሮ ስራሕ፡ ፈተና ወይ ውን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ገለ ኮርሳት ክትመሃሩ ዝሓትት ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ናይ ስነ-ቊጠባ ትምህርቲ ክትመሃሩ ምስ እትመርጹ፡ ብዜካ`ቲ ኣብቲ መባእታዊ ነጥቢታት እቱው ዝኾነ ናይ ቊጽሪ ኮርሳት፡ ካልእ ልዕል ዝበለ ኮርሳት ዝተማህርኩም ክትኮኑ ኣለኩም።

መባእታዊ ነጥቢ ዘይተማልኡ ምስ እትኾኑ ዝተረፈኩም ኣማልኡ

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምሃር ዝጐደለኩም ነጥቢ ምስ ዝህሉ፡ ነቲ ዝተረፈኩም ንምምላእ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ`ዚ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልእይ ደረጃ፡ ወረዳዊ ትምህርቲ ኣባጽሕን ህዝባዊ ማእከል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን፡ ኣለኩም። ንኣማኻሪ ትምህርትን ሞያን ብምውካስ ውን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃሩ ዘኽእለኩም ካልእ ብቕዓት ኣለኩም ድዩ?

ዕቑር ብቕዓት (reell kompetens) ምስ ዝህልወኩም፡ ነቲ ዕላዊ ጠለባት ዘይተማልኡ እንዳሃለኹም ውን ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክትመሃሩ ክፍቀደኩም ይኽእል እዩ። እቲ ዕቑር ብቕዓት ንብዝሎ ዘለና ንኣብነት፡ ናይ ስራሕን ማሕበራት ተመኲሮ፡ ነዊሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምቕማጥ ወይ ውን ዝተመሃርካዮም ዝተፈላለዩ ኮርሳት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ይኽእል። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ከይተመሃርካ፡ ንእኩብ ብቕዓትካ መሰረት ጌርካ፡ ነቲ መባእታውን ተወሳኽን ጠላባት የማልእ እየ ምባል፡ ይከኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ግን እቲ ኣለና እትብልዎ ዕቑር-ዓቕሚ (reell kompetens) ክግምገም ኣለዎ። ንውሽጣዊ መምርሒታትን ኣሰራርሓን ናይተን ዩኒቨርሲታት ወይ ውን ላዕለዎት ማእከላት ትምህርቲ ምኽታል ከምዘድልየኩም ግን፡ ክትዝንግዑ የብልኩምን። ንኣብነት ቅዳሕ ምልክታኹም ወይ ውን ተወሳኺ ሰነዳት ክትሰዱ ክሓታኹም ይኽእላ እየን። እዚ መምርሒታት`ዚ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይታ ዝምልከታ ዩኒቨርሲቲ ወይ ውን ላዕለዋይ ማእከል ትምህርቲ፡ ሰፊሩ ትረኽብዎ።

ኣብላዕለዋይደረጃትምህርቲንምምሃርዝካየድመልቀቒፈተና (Högskoleprovet)

እቲ ዝሕተት ጠለባት እተማልኡ እንተኾይንኩም፡ ኣብቲ ዝደለኹሞ ዓይነት ትምህርቲ ቦታ ናይ ምርካብ ዕድልኩም ንምዕባይ መልቀቒ-ፈተና (högskoleprov) ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።  

ኣብ መልቀቒ-ፈተና ንምስታፍ፡ ዜግነት ሽወደን፡ መንበሪ-ፍቓድ ክህልወካ ዝሓትት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዕድመ ደረት ዕድመ ውን የብሉን። መን ምዃንኩም ግን መንነትኩም ከተነጽሩ ኣለኩም። እቲ ፈተና ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ እዩ ዝካየድ። 

መልቀቒ-ፈተና፡ ሸሞንተ ክፋላት ዘለዎ ኮይኑ፡ 160 ሕቶታት ዝሓዘ እዩ። ብዜካ`ቲ እንግሊዘኛ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ክእለትኩም ንምግምጋም ብቋንቋ እንግሊዝ ዝግበር ፈተና፡ ኩሉ እቲ ዝተረፈ ሕቶታት ብቋንቋ ሽወደን ዝተዳለወ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ናይ ቋንቋ ሽወደን ዓቕምኹም ደሓን ምስዝኸውን፡ ነቲ ፈተና ሓጋዚ ኮይኑ ትረኽብዎ። እቲ ሕቶታት  ብስነ-መጐታዊ መልክዕ ክትምልስዎ እትሕተቱ ሕሳባዊ-ግድላት፡ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ዓቕሚኹምን ኣፍልጦ ቃላትናይ  ቋንቋ ሽወደንን ዝብሉ ነገራት፡ ዝድህስስ እዩ። ነዚ ፈተና`ዚ ዝምልከት ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዝስዕብ www.studera.nu መርበብ-ሓበሬታ ኣለኩም።     

ናይላዕለዋይደረጃትምህርቲምምልካት

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝወሃብ ኮርሳትን ፕሮግርማትን ዝምልከት ሓበሬታን ብኸመይ ከተመልክቱ ትኽእሉን ዝብል መምርሒታትን ኣብ ምሃብ ሓላፍነት ዝስከሙ ወገናት፡ ቤት-ምኽሪ ዩኒቨርሲታትን ላዕለዋይ ማእከላት ትምህርትን (Universitets- och högskolerådet, (UHR) ዩኒቨርሲቲታትን ላዕለዎት ማእከላት ትምህርቲ ሽወደንን እዮም። እቲ ክትመሃርዎ ዝወሰንኩም ኮርስ ወይ ፕሮግራም ብቋንቋ ሽወደን ዝወሃብ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ antagning.se ናይ ተጠቃሚ-ሕሳብ ብምውጻእ፡ ባዕልኹም ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ እትደልይዎ ኮርስ ወይ ፕሮግራም ብቛንቋ እንግሊዘኛ ክኸውን ምስ እትደልዩ ግን ኣብዚ ዝስዕብ ገጽ www.universityadmissions.se ኣቲኹም ኣመልክቱ። 

መንነትኩም ዕቡጥ ወይ ዘይቃላዕ ምስ ዝኸውን (skyddad identitet) ወይ ውን ብኻልእ ምኽንያት ባኦን-ላይን ከተመልክቱ ምስ ዘይትኽእሉ፡ ንቤት-ምኽሪ ዩኒቨርሲታትን ላዕለዋይ ማእከላት ትምህርትን (UHR) ተወከሱ።

ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታታት ማለት፡ www.studera.nu ከምኡ ውን www.antagning.se ኣለኩም።

ምምልካት ዝካየደሉ እዋን

ብቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዘኛን ዝወሃብ ኮርሳት ወይ ውን ፕሮግራማት ንምምሃር ከተመልክቱ ምስ እትደልዩ;

  • ምምልካት ዝጅመረሉ ዕለት 15 መጋቢት ኮይኑ፡ ኣብ ክፍላ-ቀውዒ (hösttermin) ትምህርቲ ክትጅምሩ መታን እተመልክቱላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ፡ 15 ምያዝያ እያ።
  • ምምልካት ዝጅመረሉ ዕለት 15 መስከረም ኮይኑ፡ ኣብ ክፍላ-ጽድያ (vårtermin) ትምህርቲ ክትጅምሩ መታን እተመልክቱላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ፡ 15 ጥቅምቲ እያ።

ኣብ እዋን ክራማት ክትመሃሩ ምስ እትደልዩ፡ ገለ ማእከላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ሕጽር ዝበለ ኮርሳት የዳልዋ እየን። ኣብ ክራማት ንምምሃር ናይ መጨረሽታ እተመልክቱላ መዓልቲ፡ 15 መጋቢት እያ።

ኣገደስቲ ዕለታትን ንምምልካትን መስርሕ ምቕባልን ዝምልክት ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Antagning.se ኣለኩም። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ`ዚ ውን’ዩ እተመልክቱ። እቲ ሓበሬታ ብቋንቋ ሽወደን ጥራይ ዝተዳለወ እዩ።  

ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ጥራይ ዝወሃብ፡ ንወጻእተኛታት ተመሃሮ ዝቐንዐ ኮርሳትን ፕሮግራማትን ክትመሃሩ ምስ እትደልዩ፡

  • ምምልካት ዝጅመረሉ ዕለት 17 ጥቅምቲ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍላ-ቀውዒ (hösttermin) ትምህርቲ ክትጅምሩ መታን እተመልክቱላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ፡ 15 ጥሪ እያ።
  • ምምልካት ዝጅመረሉ ዕለት 1 ሰነ ኮይኑ፡ ኣብ ክፍላ-ጽድያ (vårtermin) ትምህርቲ ክትጅምሩ መታን እተመልክቱላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኸኣ፡ 15 ነሓሰ እያ።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.universityadmissions.se. ኣቲኹም ኢኹም ተመልክቱ። እቲ ሓበሬታ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ጥራይ ዝተዳለወ እዩ።

ምስ ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ምኽሪ

ንናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምልከት ክህልወኩም ንዝኽእል ሕቶታት፡ ዜዕግብ መልሲ ክትረኽቡሉ ምስ እትደልዩ፡ ምስ ኣማኻሪ-ትምህርታዊ ጉዳያት (studievägledare)ተዘራረቡ። ኣብ ናይ ሽወደን ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ትመሃሩ ምስ እትህልዉ፡ ኣብታ ቤት-ትምህርቲ ዝርከብ ኣማኻሪ ትምህርታዊ ጉዳያት ተራኺብኩም ተዘራረቡ። ኣብ ህዝባዊ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ወይ ውን ወረዳዊ ቤት-ትምህርቲ ኣባጽሕ ትመሃሩ ምስ እትኾኑ ውን ኣብተን ቤት-ትምህርታት ዝርከብ ኣማኻሪ ትምህርታዊ ጉዳያት ተዘራረቡ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዩኒቨርሲቲ ወይ ውን ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ውን ተመሳሳሊ ኣማኸርቲ ኣለዉ።

ብቕዓትን መስርሕ ምምማይ ዘመልከትኩምሉ ትምህርቲ

ኣብ ዘመልከትኩምሉ ውሱን ትምህርቲ ቦታ ክትረኽቡን ዘይክትረኽቡን ዝውስን፡ ኩነተ-ብቕዕዓትኩም እዩ። እዚ ኸኣ፡ ከም ኣብነት፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ነጥቢ፡ ውጽኢት መልቀቒ-ፈተና ወይ ውን ብህዝባዊ ማእከል ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝተገብረ ኣፈናዊ-ገምጋም ክኸውን ይኽእል።

እቶም ዘመልከቱ ተመሃሮ፡ ልዕሊ’ቲ ምዱብ ቁጽሪ ናይ ትምህርቲ ቦታታት ምስ ዝኸውን፡ እቶም እንቕበሎም ተመሃሮ ንምውሳን፡ ሕርያ (urval) ንገብር። ኣበየኖት ናይ ሕርያ ጉጅሌታት ትዓልቡ፡ ውህሉል ነጥብኹም እዩ ዝውስኖ። ብዙሕ ብቕዓታት ምስ ዝህልወኩም፡ ንኣብነት ነጥብን ውጽኢት መልቀቒ-ፈተናን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሕርያ ጉጅሌታት ክትዓልቡ ትኽእሉ። ኣብ ብዙሕ ናይ ሕርያ ጉጅሌታት ምስ እትህልዉ ኸኣ፡ ኣብ ዝመረጽኩሞ ትምህርቲ ቦታ፡ ዓቢ ቦታ ናይ ምርካብ ዕድል ይህልወኩም።

Page last updated 2020-09-19