ኣብ እዋን ትምህርቲ
ኣብ እዋን ትምህርቲ ቊጠባዊ ትሕዝቶኹም ከም ተመሃሮ መጠን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ነቶም ዜጋታት ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ወይ ውን ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ስዊዘርላን ዝኾኑ ሰባት፡ ነጻ እዩ። እቶም ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዘለዎም ሰብ ውን ናይ መመልከቲ ይኹን ናይ ትምህርቲ ክፍሊት፡ ኣይከፍሉን እዮም። ብደረጃ ዶክተረይት ዝወሃብ ትምህርቲ ውን፡ ነጻ እዩ ...