ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛምኩም ምስራሕ

ንስራሕን ምርጫ ሞያን ዝምልከት ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ትረኽቡ። መርበብ-ሓበሬታ ናይዚ ትካል www.arbetsformedlingen.se ነቶም ስራሕ ኣብ ምንዳይ ዝርከቡ ሰባት ዘገልግል፡ ጠቓሚ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።  

ካብ ሽወደን ወጽኢ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዝዛዘምኩሞ ትምህርቲ ምስ ዝህልወኩም፡ ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርቲ ብመንጽር ስርዓተ-ትምህርቲ ሽወደን ከተገምግምዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዝወሃበኩም ገምጋማዊ ሰነድ ከኣ፡ ትምህርቲ ንምቕጻል ወይ ውን ስራሕ ንምርካብ ከም ድጋፍ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ። ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበ-ሓበሬታ www.uhr.se ኣለኩም።   

Page last updated 2021-02-24